RADIO ERENA – Wednesday, 08 January 2025
ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነደ ዳግመ–ግምገማ ክትገብረሉ ምዃና ኣፍሊጣ።
እታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ብኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ክትብል ዝሓለፈ ዓመት ንዝኸተመቶ ሰነድ፣ ዓሙቕ ዳግመ ግምትን ግምገማን ከምዝገብረሉ ‘ዩ ሓድሽ ዝተመዘዘ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ዓብደራሕማን ዳሂር ዓደን ጠቒሱ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ፣ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረን ብምርጫ ዝተሳዕረን፣ ፕረዚደንት ነበር ሙሴ ብሒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝኸተምዎ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ብዕምቆት ይምርመሮ ምህላዉ ‘ውን እቲ ሚኒስተር ኣረጋጊጹ።
እቲ መረዳድኢ ሰነደ፣ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዘዋጽእ እንተዘይኮንይኑ፣ ክስረዝ ከምዝኽእል ‘ውን እቲ ሚኒስተር ኣሚቱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኮይኑ ዝተሸመ ዓብደራሕማን ዳሂር ዓደን፣ ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምጽኡ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ነበር ሙሴ ብሒ ዝተኸተመ ሰነደ ይቕበሎ ከምዘይነበረ መርበብ ዜና ጋረወ የመልክት።
ብመሰረት እቲ ኣብ ጥሪ 2024 ዝተኸተመ ሰነድ፣ ኢትዮጵያ ኣስታት 20 ኪሎሜተር ዝርርጋሕ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ፣ ን50 ዓመታት ክትውንኖ፣ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህባ ዝብል‘ዩ።
ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ሉኣላዊት ኣካል ሶማል ምዃና ዝገልጽ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኢትዮጵያ ነቲ ሰነድ ምኽታማ፣ ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ዝግህስ‘ዩ ብምባል ኣብ ምውጣጥ ይርከባ።
ዝሓለፈ ወርሒ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዲዋን፣ ኣብ ከተማ ኣንካራ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ነቲ ምውጣጥ ንምህዳእ ፈላሚ ዘተ እኳ እንተካየዱ፣ ዝበጽሕዎ ምርድዳእ ብጽኑር ኣይተገልጸን።
ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ኣለዋ ዝብል ብወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ዝደጋገም ዘሎ ዘመተ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ምጉጅጃልን ምትፍናን ኣምሪሕዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።
=======================